ካብ መላእ ዓለም ዝተአኻኸቡ ኣመንቲ እስልምና ዓመታዊ ምብጻሕ ሕጃ ኣብ መካ የካይዱ

ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ካብ መላእ ዓለም ዝተአኻኸቡ ኣመንቲ እስልምና ንዓመታዊ ሕጃ ኣብ መካ ናብ ከረን ዓራፋት ብምድያብ ይማኖታ ጽንብል የካይዱ አለው።

ሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ግዳማዊን ውሽጣዊ ስግኣት ግብረ ሽበራ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቐቅ ከምዝርኸቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ እስልምና ንዓመታዊ ምብጻሕ ሕጃ ኣብ መካ ከረን ዓራፋት ብምኻድ ነቲ ዳርጋ 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝኾነ ብርቱዕ ጸሓይን ሃሩርን ተጻዊሮም ኣብ መስጊድ ናሚራ ስግደት የኻይዱ አለው።

ቴሌቭዥን ስዑዲ ዓረብ ጻዕዳ ዝተኸደኑ ብዙሓት ህዝቢ ካብ ጸሓይ ንምኽልኻል ጽላላት ዘርጊሖም ናብቲ ነብይ መሓመድ ናይ መወዳእታ ስብከት ጌርሉ ተባሂሉ ዝእመን ኸረን ዓራፋት ክድይቡ ኣርእዩ አሎ።

ነቶም ኣመንቲ መደረ ዘስምዑ ሸኽ ስዒድ ሸጢር ኣመንቲ ትኹረቶም ናብ ኣምላኽ ግበሩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ መላእ ዓለም ዝተአኻኸቡ ኣመንቲ እስልምና ዓመታዊ ምብጻሕ ሕጃ ኣብ መካ የካይዱ