ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋበ መዝነቶም ለቒቆም

Your browser doesn’t support HTML5

ረዝደንት ሮበርት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ከምዝለቀቑ ወሃቢ ቃል ፓርላማ እታ ሃገር ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ጃኮብ ሙደንደ ካብ ፕረዝደንት ሙጋበ ዝተላእኸ ምኳኑ ኣብ ዝተገልጸ ደብዳብ ከምዚ ክብሉ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣንቢቦም። “ ኣነ ሮበርት ጋብሬል ሙጋበ ብመሰረት ኣንቀጽ 96 ሕገ መንግስቲ ሃገረ ዚምባብወ ካብ መዝነተይ ምልቃቐይ ብወግዒ የፍልጥ። እዚ ድማ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ኽኸውን’ዩ።”