ዶብ ኣልቦ ሓካይም ድሕሪ ኣብ ክልተ ዞባታት ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ስራሕ ደው ምባሉ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ዶብ-ኣልቦ ሓካይም - ፋይል

ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ሰራሕተኛታቱ ኣብ ክልተ ዞባታት ካብ ዕጡቓት ጕጅለ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምግጣሙ እቲ ትካል ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝነበረ ንጥፈታት ጠጠው ከም ዘበሎ ገሊፁ ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ሽዱሽተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ዞባ ኣፐር-ናይል ትማሊ ረቡዕ ንሆስፒታል ዝኸውን ቀረባት ድሕሪ ምብፅሖም ኣብ ጉዕዞ ከለው መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ነቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ናብተን ጀልባታት ብምትኳሶም እቶም ሰራሕተኛታት ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ናብ ሩባ ዘሊሎም ክኣትውን ሓምቢሶም ኣብ ጥቕኦም ናብ ዝነበረ ዓዲ ሃዲሞም’’ ይብል። ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ቆሲሉ ከም ዝሃደመ እውን ወሲኹ ይገልፅ።

ሓላፊ እቲ ገባሪ -ሰናይ ትካል ጨንፈር ደቡብ ሱዳን ሰናይ ዛካሪያ ምዋቲያ "ኣብ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዘጋጥም ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን ፤ ነቲ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ኣብ ደቡብ ሱዳን ይሰርሑ ዘለው ድማ ኣብ ህውከት ዝመልኦ ሃዋህው ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ’’ ኢሉ።

ዶብ- ኣልቦ ሓካይም ናብ ርሑቓት ከባቢታት ዞባታት ናስርን ኡላንግን ደቡብ ሱዳን ዘካይዶ ስርሓት ደው ከምዘበሎ ገሊጹ'ሎሉ።