ምስ ኤችይቪ ዝነብራ ኣዴታት ደቀን ከጥብዋ ከምዝኽእላ ዝሕብር ሓድሽ መጽናዕቲ ወጺኡ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓደ ላዕለዋይ ጉጅለ ሓኻይም ኣመሪካ ምስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝነብራ ኣዴታት ንደቀን ጡብ ከጥብዋ ምኽኣል ብዝምልከት ሓደ ዓብይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ይገብር’ሎ። ኣመሪካን ኣካዳሚ ኦፍ ፔድያትሪክ ማለት ማሕበር ምሁራት ሓኻይም ቆልዑ ኣመሪካ ኣብ ሓድሽ ፀብፃቡ ነቲ ኣብ 1980’ታት ኣብ እዋን ለበዳ ኤችኣይቪ ዝነበረ መምርሒ ቀይርዎ’ሎ።