ኤርትራዊያን ኣመሪካዊያን ኣደን ወደን ደረስቲ መጽሓፍቶም ብወለንተኛታት ተማሃሮ የተርጉሙ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣደን ወደን ጽምዲ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝበጽሕሉ ንዝሓለፍዎ ተመክሮን ኣጋጣሚታትን ብመልክዕ መጽሓፍ ሽዱሽተ ናይ ህጻናት መጽሓፍቲ ድሕሪ ምሕታሞም ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ክትርጉምዎ ጀሚሮም።
እዚ ናይ ትርጉም ስራሕ ብኣስታት 15 ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተማሃሮ ተዳልዩ ንሕትመት በቒዑ ከምዘሎን ብተወሳኺ እቶም ተመሃሮ ናቶም መጽሓፍቲ ክጽሕፉን ከሕትሙን ዘኽእል ፕሮግራም ንምጅማር ምኽኣሉ ዲቦራ ሃይለ ትዛረብ።