መጥቃዕቲ ኣልሸባብ 37 ሰባት ቀቲሉ፡ ሰልፈኛታት ነቲ መጥቃዕቲ ይቃወሙ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ዝተካየደ ሰልፊ

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ሞቓዲሾ ድሕሪ ናይ ዓርቢ 37 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ፡ ነቲ ተግባር ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓምዛ ዓብዲ ባረ፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ብዝተራእየ ሸለልትነት ሓዊሱ እንኮላይ ንኣባላት ጸጥታ ዝሓወሰ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ዓርቢ ምሸት ኣብ ሓደ ብዙሕ ህዝቢ ዝግልገለሉ መዘናግዒ ቦታ ናይ ገማግም ባሕሪ መቓዲሾ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 37 ሰባት ሞይቶም፡ ተወሰኽቲ 63 ድማ ምቝሳሎም ወሃብ-ቃል ሓይሊ ፖሊስ ሶማል ገሊጹ።

መራሕቲ በበይነን ሃገራት ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብትሪ ኰኒኖሞ ኣለዉ። መንግስታት ሶማልን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ ባሕሪ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ሻሕኪሩ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ’ዚ ናይ ዓርቢ ምሸት መጥቃዕቲ ግን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ስድራቤታት ጽንዓት ተመንዩ። ብተመሳሳሊ በይነ-መንግስታዊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ፕረዚደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርሚየ፡ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪሮም ኰኒኖሞ ኣለዉ።

ነቲ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝዀነኑ ናይ ሎሚ ተሰለፍቲ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝግበር ዝበሉዎ ስእነት ምክልኻል’ውን ነቒፎም።

ሰሚራ ጋድ ዝተባህለት ተንታኒት ጸጥታ ነቲ ዝርአ ዘሎ ሃጓፋት ክትገልጽ እንከላ፤ “ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣልሸባብ ተኸርዲኖም ስለ ዝነበሩ ናብ ሞቓዲሾ ክኣትዉ ኣይክኣሉን ነይሮም። ሕጂ ግን ናብ ውሽጢ ዘሪቝኦም ኣትዮም ሰራሕተኛታት መንግስቲን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ከም ዒላማ ይሕዙ ኣለዉ። እዚ ከኣ ምስ ሓይሎም ከም ዘለዉ ንህዝቢ ዘርእዩሉ መንገዲ’ዩ፡” ትብል። እኹል ምክልኻል እንተ ዘይተገይሩ ድማ እቲ ጉጅለ መጥቃዕታቱ ናብ ውሽጢ መቓዲሾ ከሐይል ከም ዝኽእል እታ ተንታኒት ትሕብር።