ሶማል፡ ንግዳያት መጥቓዕቲ ሞቓዲሾ ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ተዓዊጁ

ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ ዓብይ መጥቓዕቲ ነታጒ ኣስታት 280 ሰባት ሞይቶም። ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጆም ኣለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ሶማል: ኣብ መኪና ዝተጻወደ ተፈንጃሪ 276 ሰባት ቀቲሉ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት: ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ነቲ መጥቓዕትታት ኣትሪሮም ኾኒኖም ንግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሎም ኣለው። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለን።

ሚንስትር ሓበሬታ ሶማል ዓብዲራህማን ዑስማን ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ 276 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 300 ድማ ቆሲሎም ኣለው ኢሎም።

ንሞቓድሾ ዘናወጸ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ

ኣብቲ ቀዳም 14 ጥቅምቲ,2017 ዓ.ም. ኣብ ሞቃዲሾ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቓዕቲ ኣብ ዓብይ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ ኮይኑ በዚ ዝተቖጥዑ ነበርቲ ከተማ ሞቃዲሾ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ትማሊ ሰንበት ኣብቲ’ቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸሞ ቦታ ብምኻድ ዘኻየዱ ኽኾኑ ከለው ንግብረ ሽበራዊያን ኣውጊዞም፡ ገለ’ውን ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ ሓዘኖም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሶማል፡ ንግዳያት መጥቓዕቲ ሞቓዲሾ ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ተዓዊጁ