ሓድጊ ሰማይ (Mirragi Migranti) ድምፂ ኣልቦ ትያትር ኣብ ኢትዮጵያ

  • ግርማይ ገብሩ

ካብ ዓዲ ጥልያን ዝመፀኣ ሓንቲ ኢትዮጵያዊትን ሰለስተ ደቂ ጥልያን ደቀንስትዮ ከየንቲ ዘሰናደአኦ ድምፂ ኣልቦ ትያትር ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንምርኢት ቀሪቡ።

እቲ ቴኣትር ዛጊድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ባሌ ጎባን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣደራሽ ትያትር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ርእይዎን ተማሂርሉን'ሎ።

እቲ ትያትር ብሓገዝ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጥልያን፣ብኮምፓኛ ስትራደቫሪ ዝተሰናደአ ኰይኑ እተን ከየንቲ ድማ ሰኣሊትን ቀራፂትን ኣለም ተኽሉ፣ ኣላይትን ተዋሳኢትን ሶለዳድ ኒኮላዚ፣ ክኢላ ሙዚቃ ኣለክሳንድራ ዲ ኣቲ ከምኡ እውን ቀራፂት ቪድዮ ቫለንቲና ሳሮኚ ይበሃላ።

ሓድጊ ሰማይ

ቀንዲ ጭብጢ እቲ ትያትር ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑ ዘለዉ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ዝጠመተ እዩ።

እቲ ትያትር ብሙዚቃ ተሰንዩ ብሰለስተ ከየንቲ ጥራሕ እሞ ድማ ብዘይ ድምፂ ግና ብስእሊ ተሓጊዙ ዝካየድን ፈታንን ምዃኑ ሰኣሊትን ቀራፂትን ኣለም ተኽሉ ትገልፅ።

ኣለም ብተወሳኺ እቲ ትያትር ኣብ መቐለ ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንዝሃበን ሓገዝ ድማ ኣመስጊና።

ሙሉእ ትሕዝቶኡ ቀጺሉ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሓድጊ ሰማይ (Mirragi Migranti) ድምፂ ኣልቦ ትያትር ኣብ ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓድጊ ሰማይ (Mirragi Migranti) ድምፂ ኣልቦ ትያትር ኣብ ኢትዮጵያ