ጉባኤ ሚኒስትራትን ሰብ ሙያን ጥዕናን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ'ሎ

  • ገብረ ገብረመድህን
ኣብ ናይ ክታበትን መድሓኒታት ዘተኮረ ጉባኤ ሚኒስትራትን ሰብ ሙያን ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ተጀሚሩ።

ዕላማ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ንህጻናት ክታበት ክባጻሕ ምምኽኻር እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝውለዱ ሓሙሽተ ህጻናት እቲ ሓደ መሰረታዊ ዝኾነ ክታበት ኣይረክብን ይብል።

እዚ ኮይኑ ግን ዓወት ዝተረኽቡሎም ዝበሎም እውን ገሊጹ’ሎ።ኣብ ሕማም ኣንቅጺ ዝተረኽበ ወጽኢት ክገልጽ ከሎ 90 ሚእታዊት ምኽንያት እቲ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ብዝብሃል ኣገባብ ምቁጽጻር ከምዝተኸኣለን ፖልዮ እውን ናብ ምጥፋእ ይቀራርብ ከምዘሎን'ቲ ትካል ኣብመገለጺኡ ሓቢሩ’ሎ።

ይኹን ደአ እምበር ይብል እቲ መግለጺ ነዚ ውጺኢት ብዙሕ ምጉዓዝ ከምዝሓትት እውን ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ጉባኤ ሚኒስትራትን ሰብ ሙያን ጥዕናን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ'ሎ