ሚኒስትር ምኽልኻል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘካይድዎ ዑደት ንጅቡቲ ብምብጻሕ ዛዚሞም።
ዋሽንግተን —
ጅቡቲ ወታሃደራዊ መደበር ኣሜሪካ ዝርኸባ ብሕታዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ።
ሚኒስትር መከላኸሊ ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ነታ ኣብ ውሽመጥ ባብ ኤል መንደብ ትርከብ ሃገረ ጅቡቲ አገዳሲት ጂኦግራፊያዊ መስቀለኛ መንገዲ ክብሉ ጸዊዖማ። በቲ ስትራቴጂካዊ መስመር ማይ በብመዓልቱ ሓያለ ወታሃደራዊን ናይ ንግዲን መራክብ ይመሓላለፋ። እቲ ዓሙቕ ማያት ወደብ ጅቡቲ ኸአ ብኣሜሪካ ፈረንሳን ዓሰርተ ካልኦት ሃገራት ይጥቐማሉ ክብሉ እቶም በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ሓቢሮም።
ሚኒስትር ምኽልኻል ጂም ማቲስ ናይ ጅቡቲ ዑደቶም ፈጺሞም ኣቀዲሙ ዘይተገልጸ ምብጻሕ ኣፍጋኒስታን ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ሚኒስትር ምኽልኻል ኣሜሪካ ናይ ማእኸላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዑደቶም ዛዚሞም