ኣብ የመንን ጅቡቲን ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ ክብል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰት ኣጠንቂቁ።
ጀነቫ —
ዓለምለኸ ትካል ፍልሰት ከምዝበሎ መብዛሕትኦም ካብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣብ ወርሒ አስታት 10 ሽሕ ፍልሰተኛታት ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ምድረበዳ ሰጊሮም ናብ ጅቡቲ ይኣትው’ለው ኢሉ።
መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ እዞም ፍልሰተኛታት ቀጺሎም ናብታ ብኹናት ዝተሃሰየት የመን ኣቢሎም ስራሕ ንምንዳይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኸዱ እቲ ትካል ይገልጽ።
ካብዞም ፍልሰተኛታት 30 ሚእታዊት ድማ ብዘይ ኣላይ ዝጉዓዙ ቆልዑ ኽኾኑ ከለው ዕድሚኦም ክሳብ 11 ዓመት ዝኾኑ ይርኸብዎም። ዉሑዳት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብዚ ጉዕዞ ከምዝረአያ እቲ ትካል አረዲኡ’ሎ።
የመን ኣብ ቀረባ ንኢትዮጵያዊያን ናብ ጅቡቲ ምጥራዝ ጀሚራ ኣላ ዝበሉ ሚስተር ላቦቪትዝ ኣብ መጻኢ ‘ውን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዝጥረዙ’ዮም ዝመስሉ ጅቡቲ ንእሽቶይ ሃገር ምስ ምኳኑ ድማ እዚ ኣዝዩ ዘሻቅል’ዩ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ የመንን ጅቡቲን ቅልውላው ስደተኛታት ይረአ ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰት ገሊጹ