240 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒሮም

Your browser doesn’t support HTML5

240 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒሮም

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 240 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ተጻዒኖምሉ ዝነበሩ ጀልባ ናይ ሞተር ጸገም ከምዘጋጠሞን እቶም ስደተኛታት ኣብ ማእከል ባሕሪ ተራሕሪሖም ከምዝተረኽቡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሰለስተ ተኸታታሊ መዓልታት ብዝተኻየደ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ’ሎ።

ተመሳሳሊ ሶሉስ ጥሪ 16,2018 ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ 1,400 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጀልባ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ተጻዒኖም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝተረኽቡ ይገልጽ።

ሚላድ ዓብደልኸሪም ሓደ ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተሳተፉ አባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እዩ። ንሱ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ይብል።

“ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ዙዋራ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ከምዘላ ሓበሬታ ተዋሂቡና ናብቲ ቦታ ኬድና። ኣስታት 120 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ እያ ኔራ። ድሕሪ ናይ ስለስተ ሰዓታት ፈተሻ ድማ ካልኣይ ጻውዒት ረኺብና ካልእ ኣስታት 130 ስደተኛታት ጀልባ ኣብቲ ከባቢ ረኺብና።”

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 11 ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ከምዝተኻየደ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።