ኣብ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ማእከላይ ባሕሪ ሓሙሽተ ስደተኛታት ምሟቶም ናይ ጀርመን ዘይመንግስታዊ ትካል ሲዎች ሓቢሩ
Your browser doesn’t support HTML5
ሲዎች ዝተባህለ ናይ ጀርመን ዘይመንግስታዊ ትካል 140 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም። ኣብቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶምን እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
እቶም ስደተኛታት ካብታ ተጻዒኖሙላ ዝነበሩ ጀላቡ ናብ ባሕሪ ብምዝላሎም፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ጠፊኡ።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ናብታ ናይ ጀርመን መርከብ ንምብጻሕ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከቋርጹ ይነግርዎም ኔሮም ክብሉ አባላት ሲዎች ይኸሱ ከለው ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ድማ ነዚ ይነጽጉ።