ልዕሊ 1,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ
Your browser doesn’t support HTML5
ልዕሊ 1,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሓሙስ 15 ሰነ, 2017 ዓ.ም ብህይወት ኣድሕን መርከባት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ምድሓኖም ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ገሊጹ።
ካብቶም ዝደሓኑ ዝበዝሑ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃን ዜጋታት ባንግላዴሽ ምኳኖም ተገሊጹ።