ዋሽንግተን —
ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነን መርከብ 105 ስደተኛታት ካብ ገማግም ሰሜናዊ ሊብያ ምድሓኑ ሓቢሩ።
አባላት’ታ መርከብ እቶም ስደተኛታት ሞተረ ኣብ ዘይብላ ጀልባ ከምዝጸንሕዎም ገሊጾም።
ገለ ካብቶም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዘሰጋግርዎም ዝነበሩ ሰባት ንሞተረ’ታ ጀልባ ብምውጻእ ኣብ ካልእ ጀልባ ተጻዒኖም ከምዝኸዱ ሓቢሮም።
Your browser doesn’t support HTML5
ካብቶም ዝደሓኑ 105 ስደተኛታት ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ህጻናት ዝርኸብዎም ኮይኖም ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ባንግላዴሽ፡ሞሮኮን ግብጺን ዝመጹ ምዃኖም ካልኦት ካብ ኤርትራ፡ሱዳን፡ሊብያ፡ጋና፡ናይጀርያን ፓኪስታን ዝመጹ’ውን ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣውሮጳ ንምብጻሕ ብቑዓት ብዘይኾና ነኣሽቱ ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ የቋርጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ኣብዘን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዓመተ 2018 ኣስታት 615 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቁራጽ ዝሞቱ ክኮኑ ከለው 22,439 ድማ ኣውሮጳ በጺሖም፡ ካልኦት 4,409 ዝኾኑ ድማ ስጳኛ በጺሖም።