224 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

84 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ኢጣልያ ምእታዎም ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ቀዳም ካብ ክትሕል ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ዝደሓኑ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ሸሞንተ ሬሳታት ከምዝተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ወሲኹ የረድእ።

ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘይተሳተፈ ትካል ረድኤት ተወሳኺ ብዝሒ ዘለዎም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስደተኛታት ክሕልው ከምዝኽእሉ ሓቢሩ’ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓለምለኸ ማያት ሊብያ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ብዘኻየድ ትካል ነፋሪት ዝተረኸቡ ምኳኖም ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ንመራኸቢ ብዙሃን ጣልያን ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቶም ህይወቶም ዝሰአኑ ሽሞንተ ስደተኛታት ኩለን ደቂ ኣንስትዮም ምኳነን ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 140 ስደተኛታት ሎሚ ሶኑይ ካብ ገማግም ባሕሪ ጋርቡሊ ከምዝደሓኑ ሓቢሩ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብቶም ስደተኛታት ብዝበጽሖም ጻዊዒት ንረድኤት ናብቲ ቦታ ከምዝበጽሑን እቶም ስደተኛታት ናብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝተወስዱ ገሊጹ።

ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ንገማግም ባሕሪ ትሪፖሊ ድሕሪ ምቑጽጻሮም ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ገማግም ጋርቡሪ ክብገሱ ከምዝጀመሩ’ውን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ የረድእ።

ብተወሳኺ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሰንበት ሬሳ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ዝርከብዎም 250 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም።