ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 190 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም

Your browser doesn’t support HTML5

ሰበ ስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋረጹ ዝነበሩ ኣስታት 190 ስደተኛታት ምድሓኖም ሓቢሮም። እቶም መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወዱ ተፈሊጡ’ሎ። ሰበ ስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጀላቡ ይጉዓዙ ከምዝነበሩ ገሊጾም።