ልዕሊ 1400 ስደተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ልዕሊ 1,400 ስደተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ድሒኖም ናብ ወደባዊት ከተማ ኣጎስታ ጣልያን ትማሊ ሶኑይ ምእታዎም ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ሓቢሮም። ካብቶም ስደተኛታት ነፍሰጾራትን አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ከምዝርኸብዎም ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ማርኮ ሩታኖ ይገልጹ።