ካብ ቱኒዝያ ተበጊሶም ናብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣትው ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ

ካብ ቱኒዝያ ተበጊሰን ማእኸላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣብ ወደባት ሲሲሊ ሎኖሳን ላምባዱሳን ዝኣትው ቁጽሪ ስደተኛታት ዝጸዓኑ ናይ ዕንጨይቲ ጀላቡ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ።

ምስሊ ረቡዕ መስከረም 6,2017 ዓ.ም ኣብ ገማግም ከተማ ኣጊጀንቶ ዝኣተው ኣስታት 50 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብተን ጀላቡ ወሪዶም ናብ ገማግም ባሕሪ ክጎዩ የርእይ።

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ቱኒዝያ ተበጊሶም ናብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣትው ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ

ብመሰረት ካብ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ቁጽሪ ካብ ሳባርታ ሊብያ ተበጊሶም ማእኸላይ ባሕሪ አቋሪጾም ኢጣልያ ዝኣትው ስደተኛታት ብ65 ሚእታዊት ምጉዳሉ ይገልጹ። እዚ ቁጽሪ ምስ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብምንጽጻር ኽከውን ኸሎ ሳባርታ ቀንዲ መበገሲ ስደተኛታት ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ካብዚ ቦታ ዝብገሱ ስደተኛታት ዘየለው ምኳኖም ይግለጽ አሎ።

ክላውድዮ ሎምባርዶ ሓላፊ ማረኣሚኮ ዝተባህለ ንአከባቢ ዝሕለቕ ትካል ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ሊብያ ዝብገሳ ጀላቡ ምሸት ናብቲ ገማግም ባሕሪ ከምዝበጽሓ ሕጂ ግን እቲ መንገዲ ምስ ተዓጸወ ስደተኛታት ካብ ጎረቤት ቱኒዝያ ክብገሱ ከምዝጀመሩን ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ናብቲ ገማግም ባሕሪ ክበጽሑ ከምዝጀመሩ ይገልጽ።