ዋሽንግተን —
ብዘይመንግስታዊ ናይ ስፔን ትካል ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 230 ስደተኛታት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፓዘሎ ሲሲሊ ምእታዎም ተገሊጹ።
እቶም ብናይ ስፔን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢት ትካል ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዝተኻየደ ስርሒት ዝደሓኒ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ክሳብ መስከረም 3,2017 ዓ.ም 99,846 ስደተኛታት ማእኸላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእኸላይ ባሕሪ ብምቕUራብ ኢጣልያ ዝኣተው ክኾኑ ኸለው ዝሓለፈ ዓመት ድማ 121,385 ስደተኛታት ብመንገዲ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ነዚ ጉዕዞ ምቁራጾም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሰበ ስልጣን ጸጥታ ሊብያ ብወገኖም ብኢጣልያ ዝሕገዝ መንግስቲ ሊብያ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ንምግታእ ይጽዕር ምህላው ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጾም።
ብተወሳኺ ኢጣልያ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናይ ስልጠናን መሳለጥያን ሓገዝ ትሕብ ምህላዋ ይገልጹ።
ይኹን ደኣ እምበር ሕጂ’ውን ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ካብ ሊብያ ስደተኛታት የበግሱ አለው እዚ ድማ ካብቲ ዝተለምደ መንገዲ ዝተፈልየ መንገዲ ይጥቐሙ ከምዘለው ዘርእይ እዩ።