ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓለት ጀልባ 49 ሰባት ምሟቶም ሕ/ሃ ይገልጽ

Your browser doesn’t support HTML5

ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብምጥሓላ 49 ሰባት ምሟቶምን ሃለዋት 140 ከምዘይተፈልጠ ምግላጹ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩጽ። እዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓለት ጀልባ ካብ ሰሜናዊ ገምገም ባሕሪ ሶማል ኢትዮጵያውያንን ሶማሊያውያንን ዝርከብዎም 260 ስደተኛታት ፅዒና ንወሽመጥ ዓደን ምስጋራ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።