ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ- ተዓዋቲ ሰልፊ ገና ኣይተነጸረን

  • ዜና ቪኦኤ

ቍጠባዊ ምንቍልቋል፡ መሰል ምንጻል ጥንሲን ካልእ ተዛመድቲ ጉዳያትን ቀንዲ መዛራረቢኡ ዝዀነ ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ ትማሊ ተኻዪዱ፡ ዛጊት ግን ካብቶም ክልተ ቀንዲ ሰልፍታት ጸብለልታ ኣየርኣዩን። ሰልፊ ሪፓብሊካን ንሰነት፡ ኮንግረስን ተወካሎ ህዝቢን ክቈጻጸሩ ሓሊኖም ደኣ ይጕስጕሱ እምበር፡ ዛጊት ግን ምሉእ ትጽቢቶም ኣይሰመረን።

ቤት-ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ገና’ኳ ምሉእ ስእሊ ንምሃብ እንተ ዘይተኻእለ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ግን ከምቲ ዝሓሰቡዎ ዓብላልነት ኣይረኸቡን ዘለዉ። ቤት-ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ገና’ኳ ምሉእ ስእሊ ንምሃብ እንተ ዘይተኻእለ፡ ሰልፊ ርፓብሊካን ግን ከምቲ ዝሓሰቡዎ ዓብላልነት ኣይረኸቡን ዘለዉ። እንተዀነ ከምቲ ዝተገመቶ መጠን ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ሕጂ’ውን ሰልፊ ርፓብሊካን ኣብ ተወካሎ ህዝቢ መሪሕነት ሒዞም ኣለዉ።

እቲ ካልእ ቀንዲ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ዝጸንሐ ንሰነት መን ይቆጻጸሮ’ዩ። እዚ’ውን ዛጊት ኣይተነጸረን። ክሳብ ሕጂ ተቖጺሩን ተነጺሩን ብዘሎ ድምጺ መሰረት ክልተ ሰልፍታት ማዕረ ናይ 48 ቍጽሪ መናብር ሰነት ሓዚኦም ኣለዉ። ሰልፊ ሪፓብሊካን ክረኽብዎ ዝጸንሑ ዝቐደመ ዳህሳስ፡ ኣብ ሰነት ጸብለልታ ክረኽቡ’ዮም ዝብል ግምታት'ዮ። ክፍለ-ሃገር ፐንሲልቫንያ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ተስፋ ተዋሂብወን ዝነበራ ክትከውን እንከላ፡ ፍሉጥ ናይ ቴለቪዥን ሓኪም ዶክተር መሃነት ኦዝ ካብቲ ዝተገመቶ ዝተሓተ ውጽኢት ኣርእዩ፡ ብመቀናቕንቱ ካብ ሰልፊ ደሞክራት ዝዀነ ጆርጅ ፈተርማን ተሳዒሩ ኣሎ።

ካልእ ዝዓበየ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ዘሎ ምርጫ ጆርጂያ ኰይኑ ኣብ መንጎ ናይ ሰልፊ ደሞክራት ራፋኤል ዋርኖክን ሀርሸል ዎከርን’ዩ። ዛጊት ተኻይዱ ብዘሎ ቆጸራ ድምጺ፡ ዋርኖክ ብውሑዱ ደኣ ይምራሕ እምበር ተዓዋቲ ንምፍላይ ኣይተኽእለን ዘሎ። ምናልባት ከምቲ ሕጂ ዝርእዮ ዘሎ፡ ሓደ ካብቶም ተወዳደርቲ ዘድሊ ብዝሒ መረጽቲ ምስ ዘይረክብ፡ እቲ ምርጫ ክድገም’ዩ።

ኣብዚ ናይ መፋርቕ ምርጫ፡ ካብ ክፍለ-ሃገር ሚኒሶታ እትወዳደር ሶማሊያዊት-ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር መሊሳ ክትዕወት እንከላ፡ ካብ ኮላሮዶ ዝዀነ ኤርትራዊ-ኣመሪካ ጆ ንጉሰ’ውን ዳግም ተመሪጹ ኣሎ።