ኣዲስ ኣበባ —
ብምኽንያት እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ምዕራብ ጎንደር ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ብወገን መተማ ዘሎ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከም ዝተዓፀወ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንድምፂ ኣመሪካ ብኢሜይል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊፁ። እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘብፀሖ ጉድኣት ዛጊት ከም ዘየለ እኳ እንተ ተሓበረ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ግን በበእዋኑ ዝደግስ ጎንፂ ምህላዉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ክልል ኣምሓራን ፈደራላዊ መንግስቲን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ መስመር መተማ-ሱዳን ብሰንኪ ግጭት ተዓፅዩ