ባህርዳር —
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳቡ ከባቢታት ኣርባዕተ ሓረስቶት ኣብ ሕርሽኦም ከለው ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።
እቲ ኣብ ወረዳ ሽንፋን ሽኩሪያን ኣብ ዝተባህሉ ዓድታት ዘጋጠመ ፍጻመ ብዕጡቓት ቅማንት ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ካልኦት ሰለስተ ድማ ምጭዋዮም ተዛሪቦም።
ኣብቲ ከባቢ ስራሕቲ ሕርሻ ጠጠው ምባሉ እውን ተዛሪቦም ኣለው።
ኣባል ኮሚቴ ምምላስ መንነትን ርእሰ ምምሕዳር ቅማንት ምዃኖም ዝገለፁ ሓደ ውልቀ ሰብ ግን ኣብቲ ከባቢ ንናይ ቅማንት ይኹን ናይ ኣምሓራ ህዝቢ ዘይውክሉ ‘’ሸፋቱ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎም ዕጡቓት ንስቪላት እናሳቐዩ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቁ ኣብቲ ከባቢ ቅትለትን መጭወይትን ምህላው ብምእማን ነቲ ከባቢ ዘረጋግእ ሓይሊ ፀጥታ መንግስቲ ናብቲ ከባቢ ተላኢኹ ኣሎ ኢሎም።