ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጽናዕታዊ ወረቐት ተቕርብ

  • በትረ ስልጣን

ሜሮን ስጢፋኖስ

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ'ዚ ቅንያት'ዚ ኣብ ዝተሰላሰለ መድረኽ ስደተኛታት መፅናዕታዊ ሪፖርት ዘቅረበት ተቐማጢት ስዊድን ሜሮን ስጢፋኖስ - ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም'ውን ቅሳነት ከምዘይረኽቡ ትሕብር።

ብሕልፊ እቶም ዝተቐብረ ቦምባታት ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስዱዳት ናብ ሳልሳይ ሃገር ከምዝወፁ ዝሓበረት ሜሮን - እንተኾነ እቲ መስርሕ ምጥያሽ ፀገም ኣለዎ ዝብል ዘይተረጋገፅፀ ሓበሬታ ኣለኒ ትብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝገብረሎም ዘሎ ምሕብሓብን ናብ ላዕልዋይ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣትዮም ንክማሃሩ ንዝሃቦም ዕድል ድማ ንኢዳ።