ኣስመራ —
ሓረስቶት ንኡስ ዞባ መንደፈራ ክራማት ሎሚ ዓመት ፈኩስ ምስ ምንባሩ በተዛማዲ ዘራእት ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡ ገሊጾም።
ናይ ሎሚ ዓመት ክራማት ፍኹስ ዝበለ ብምንባሩ ዘራእቲ ከምቲ ዝድለ ክፈርዩ'ኳ እንተዘይከኣሉ፡እቶት ግን ብተዛማዲ ኣብ ደሓን ደረጃ ከምዝርከብ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዝርከቡ ሓራስቶት ዓዲ ጋውል፣ማይ ሓርማዝ፣ዕዲ ጉዑቦ፣ዓዲቀበነን ዕዲ ቆጨሮን ሓቢሮም።
ምእካብ ምህርቲ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ መንደፈራ
ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ኣብ ጽዑቕ ምእካብ ምህርቲ ከምዝተጸምዱን ድሮ’ውን ዓይኒ ዓተር፡ ባልደንጓን ገለ ክፋል እኽልን ዓዲጾም መኼዳ ከምዝጀመሩ አረዲኦም።
Your browser doesn’t support HTML5
ምእካብ ምህርቲ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ መንደፈራ