ካሊፎንያ፡ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ዝጽልይሉ መስጊድ ተጣይሱ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ካሊፎንያ፡ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ዝጽልይሉ መስጊድ ተጣይሱ

ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ውሽጢ መስጊድ በበይኖም ይፅልዩ።ኣብ ገለ ቦታታት ኣብ ሞንግኦም ሓፁር ይግበረሎም፤ሓሓሊፉ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣብ በበይኖም ክፍልታት ኮይኖም ይፅልዩ።ኣብ በርክለይ ካሊፎርኒያ ዝርኸብ መስጊድ ግን ካብዚ ልሙድ ኣካይዳ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ደቂ ኣንስትዮ ዘጣየሽኦ ሓደ ጉጅለ ሓዲሽ ነገር ጀሚሩ’ሎ።

ቅድሚ 10 ዓመታት ተኸታሊት እምነት እስልምና ዝኾነት ራቢዓ ኪብለ ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ ኮይና ክትፅሊ ዘይሕሰብ ነገር ምንባሩ ትገልጽ።።

“መጀመሪያ ከም ሓዳሽ ተኸታሊት እምነት እስልምና ንኩሉ ነገር ተቐቢለ ይኸድይ ነይረ፤ናተይ ተራ እዚ እዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ እዩ።እግዝኣብሄር ንዓይ ዝደልየኒ እቲ ዝፀንሐ ኣገባብ ክቕበል እዩ ኢለ እሓስብ ነይረ።ኣእምሮ ከምዘለዎ ሰብ ክሓስብ ከለኹ ግን ምዕሩይ ዘይኮነ ወይ ሚዛኑ ዝስሓተ ኣቀራርባ ከምዝኾነ ክሓስብ ጀሚረ።”

ኣብ ናይ ዓርቢ ናይ መስጊድ ፀሎት ንኢማም ክትርኢ ዘይምኽኣላ ዘጨነቓ ንሳ ሓዲሽ መስጊድ ኣጣይሻ።እዚ ሓድሽ መስጊድ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ቦታ ብሓባር እምነቶም ዝገልፅሉ ቦታ እዩ።

ናይቲ መስጊድ መስራቲት ዝኾነት ራቢዓ ሽም ናይቲ መስጊድ ቃልቡ መሪያም ይበሃል።’ልቢ ማሪያም’ ተባሂሉ ክትርጎም ይኽእል።እዚ ሽም ዝተመርፀሉ ምኽንያት ማሪያም ኣዲኡ ንእየሱስ ስለዝኾነትን እዚ ድማ ንተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ ትብል ።

ኣብ ግብፂ ዝተወልደ ሓሳም ሙሳ ጓሉ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ምስተወልደት ናብቲ መስጊድ ምኻድ ደው ኣቢሉዎ ከምዝነበረ ይዛረብ።ሎሚ ግን ጓሉ ኣብ በርክለይ ናብ ዝርከብ መስጊድ ሒዙዋ ክኸይድ ከምዝደልይ ይገልጽ።

ራቢዓ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣመንቲ እስልምና ገለ ተቓውሞ ኣጋጢሙኒ እዩ።ካብ መጀመሪኡ ኣትሒዘ ምፍርራሕ እንተኣጋጢሙኒ፣ሕማቕ ቃል እንተድኣ ሰሚዐ ወይ ፅቡቕ ዘይኮነ ነገር እንተድኣ ተፈጢሩ ዕሽሽ ክብሎ እየ ኢለ እየ ካብ ዓንተብኡ ወሲነ ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ካሊፎንያ፡ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ዝጽልይሉ መስጊድ ተጣይሱ