ምዕባይ ሓው ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝሃብዎ ቃለ-ምስክርነት

Meles

ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ብቆልዕዑ ርህሩህ ከምዝነበረ፣ንድኻታት ተማሃሮ ካብ‘ታ ዕለት ምስሑ ተማቂሉ ዝበልዕ‘ውን‘ዩ ነይሩ ይብሉ ምዕባዮም ኣቶ ፍስሃ ዜናዊ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ይኣኽለኒ ክብሉ ከለው ካብ ኢህወዴግ ዘይምስንባቶም ዘጣዕስ ኣይኮነን፣ኣብ‘ዘን ዝተጠቅሳ ዓመታት ኣዝዮም ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ተጀሚሮም‘ዮም‘ውን ኢሎም ኣቶ ፍስሃ።

”ኣነ ኣዝየ ዝሕጎሰሉ፣ኣብ ህዝቢ ኢትዮዽያ ለውጢ ጀሚሩ፣ኣብ ፅቡቅ ደረጃ ብምብፅሑ፣ገባር ተለዊጡ ርእሱ ኪኢሉ ምርኣየ ከሐጉሰኒ ከሎ፤መለስ ዕረፍቲ ረኺቡ ምስ ቤተ-ሰቡን ስድርኡን ጊዜ ረኺቡ ዘይምስሓቁን ዘይምፅዋቱን ዕረፍቲ ዘይምርካቡን ቁሩብ ይስመዓኒ ኢሎም”ኣቶ ፍስሃ ብዛዕባ ዘሕብኖምን ዘጉህዮምን‘ዶ ክጠቅሱልና ተባሂሎም ክምልሱ ከለው።

ብዝተረፈ ግን፣መስዋእቲ መለስ፣ዕላማ መለስ፣ክንፍፅሞ ኢና ኢሉ ህዝቢ ኢትዮዽያ ቃል ብምእታው ብጣዕሚ‘የ ዝሕበን፣ብዛዕባ‘ቶም ሕማቅ ኣቶ መለስ ዝተመነዩ ግና፣ባእሶም ምስ መለስ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ‘ዩ ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

MEMORIES OF A BROTHER