መበል 16 ዓመት መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ኣሜሪካ ኣብ ዋሽንግተን፡ ኒውዮርክን ፔንስልቫንያን ተዘኪሩ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ፈለማ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ዝኽሪ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ 11 መስከረም ኣብ ኒው ዮርክን ዋሽንግተንን መሪሖም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዝኽሪ መበል 16 ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብናይ ሕልና ጸሎት ዘኪሮም።

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እውን ድሕሪ ናይ ሕልና ፀሎት ኣሽማት ናይቶም ግዳያት ተነቢቡ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ሓደ ካብቶም ናይ ግብረ ሽበራዊያን ዒላማ ዝነበረን ብዙሓት ሰባት ዝተቐትለሉን ቤት ጽሕፈት ሚንስትር ምኽልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ተኻፊሎም ኣለው።

በቲ መጥቓዕቲ ይኹን ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ንዝሞቱ ክብሪ ንምሃብን ንምዝኻርን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እቲ ፍጻሜ አሰቃቂ ብምኳኑ ዝዝኸር እንተኾነ ሃገርና ብዝበለጸ ክትሕይል ጌሩ እዩ ኢሎም።

“ኣብታ ዕለት ዓለም ጥራይ ዘይኾነት ንሕና'ውን ተለዊጥና። ዕምቆት ሰይጣናዊ ተግባር ክንርእይ ዝገበረና እዩ ነይሩ። ኣብታ ናይ ጸልማት ሰዓት ቃልና ዘሐደስናሉ እዋን'ውን ነይሩ። ፍልልያትና ከም ናይቲ እዋን ንኢሶም፡ ሓድነትና ኸአ ከምኡ ጸኒዑ ኣይፈልጥን እዩ። ደው ኢልና ዘለና ናይ መስዋእቲ ቦታ ሓውልቲ ሃገርዊ ሓድነትናን ጽንዓትና እዩ።"

ኣብ ፔንታጎን ጥራሕ 125 ኣብቲ ህንፃ ዝነበሩ፣59 ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ብድምር 184 ሰባት ተቐቲሎም።

ምኽትል ፕረዝደንት ማይክ ፔንስ ካልኣይቲ ዝተጨውየት ነፋሪት ናብ ዝተሓምሸሸትሉ ሻንክስቪል ፔንስልቫኒያ ተጓዒዞም ኣለው።

ጨወይቲ ናይታ ነፋሪት ንካልእ መጥቓዕቲ ናብ ዋሽንግተንይምርሹ ከምዘለው ዝተረድኡ ተሳፈርቲ እታ ነፋሪት ንምቁፅፃር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እቶም ጨውይቲ ኢዶም ካብ ዝህቡ ነታ ነፋሪት ከምዝሓምሽሹዋ ይእመን።

ኣብ ኣርባዕቲአን ዝተጨውያ ነፈርቲ ተሳፊሮም ዝነበሩ ኩሎም 11 መስከረም 2001 ዓ.ም ህይወቶም ስኢኖም።ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ጥራሕ ኣስታት 3,000 ሰባት ተቐቲሎም።