ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ

Meles Zenawi & Azeb Mesfin

ገለ ወገናት ከምዝተንበይዎ ኢትዮዽያ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቶ መለስ ዜናዊ ናብ ቅልውላው ኣይኣተወትን ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ።

ንሶም ነዚ ቃል‘ዚ ዘስምዑ ኣብ‘ቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ሞት ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተካየደ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ‘ዩ።ኣቶ ሃይለማርያም ኣብ ዘረበኦም ‘እቶም ዓብዪ መራሒናን ብፃይናን ዝመርሕዎን ዝሃነፅዎን ኢህወዴግ፣ኣብ ዘይናወፅ መሰረት‘ዩ ደው ኢሉ‘ ኢሎም።

ባዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ብወገነን ‘ቀ/ሚ መለስ ምስ ናይ ቃልሲ ብፆቱ ኮይኑ ቅድሚ 21 ዓመታት ዝተረከባ ኢትዮዽያ ምስ‘ታ ሎሚ ዘረከበና ኢትዮዽያ ብኩሉ መዐቀኒ ሓደ ኣይኮነትን‘ ኢለን።

ኣብ‘ቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ መራሕቲ ሱዳን፣ጂቡቲ፣ሶማልያ ከምኡውን ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተወከልቲ ተሳቲፎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ