ክልል ትግራይ - ድሕሪ መርገጺ ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ -- ድጋፍን ተቓውሞን ይቕጽል

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ - ድሕሪ መርገጺ ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ -- ድጋፍን ተቓውሞን ይቕጽል

ላዕለዎት ወታሃደራውያን መኮንናትን ሓለፍቲን ጸጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት ከም ዝድግፉን ግዚያዊ ምምሕዳር ድማ ምትዕርራይ ንኽገብርን ድሕሪ ዝሕለፍዎ ውሳነ፡ ነቲ መርገጺ ዝድግፍን ዝቃወምን ሰለማዊ ሰልፍታት ይቕጽል ኣሎ።

ትማሊ ሰንበት ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ዘእንገደት መቐለ፡ ሎሚ ሰኑይ ከኣ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ውዒሉ። ተመሳሳሊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ’ውን ይረአ ኣሎ።