“ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዘይምትእምማን ፀኒሑ’ዩ፡” ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

Your browser doesn’t support HTML5

“ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዘይምትእምማን ፀኒሑ’ዩ፡” ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ውድብ ህወሓትን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ “መንግስቲ ንስምምዕ ምቁራጽ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ መግዝኢ ግዜ ይጥቀምሉ ኣለዉ" ክብል ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር'ቲ ክልል እምነት ከም ዘይፀንሖ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ኣቶ ጌታቸው ምስ መራኸቢታት ክልል ትግራይ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ኣብ ዝነበረ ርክብ፡ ንሓያሎ ጉዳያት ከም ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ሕቶ ረፈረንዶም፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ካልእን ምዝርራቦም ኣመልኪቶም።