ህወሓት ንጉባኤ ይዳሎ፡ ተቓውሞ ከኣ ይዓቢ

ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ “ህወሓት ንምድሓን” ኢሎም ዝገለፁዎ መበል 14 ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጽባሕ ሰሉስ ክጅምር ምድላዋት ተዛዚሙ ኣሎ። እንተዀነ ምኽትል ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት 13 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ከምኡ’ውን ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ ግን ነቲ ጉባኤ ነፂጎሞ ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ’ውን ኣገልግሎት ኮምኒከሽን መንግስቲ መግለጺ ኣውፂኡ ኣሎ።

ድሒሩ ኣብ ዝሰዓበ ምዕባለ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰኑይ ኣማስያኡ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋቡን ሕጋዊ ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ከም ዝሃቦን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ህወሓት እቲ ናይ ቦርድ ወረቐት ካብ ዝበጽሖ መዓልቲ ጀሚሩ ዝመሓደር ብኣዋጅ ስነ-ምግባር ምርጫ፡ ከምኡ`ውን ንዕኡ መሰረት ጌሮም ብዝወጹ መምርሕታትን ውሳነታትን መሰረት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

በቲ ፓርቲ ክትግበሩ ካብ መንጎ ዘለዎም ነገራት ሓደ ድማ እቲ ፓርቲ ጠቕላላ ጉባኤ ቅድሚ ምግባሩ ቅድሚ 21 መዓልታት ንቦርድ ምርጫ ከፍልጥን ኣብቲ ዘካይዶ ጉባኤ ድማ ናይ ቦርድ ምርጫ ተዓዘብቲ ክርከቡ ከም ዘለዎምን ብዋናነት ዝተጠቕሱ ግዴታት`ዮም ኢሉ`ሎ።

ስለዚ ቦርድ ምርጫ ዘድሊ ቅድመ-ምድላዋት ክፈልጥ ኣብ ዘይተገብረሉ፡ ኣብ ዘይተኸታተሎን ዘየረጋገጾን ከምኡ `ውን ተዓዘብቲ ቦርድ ኣብ ዘይተረኸብሉ፡ እቲ ተጸዊዑ ዝተባህለ ጉባኤ ክካየድ ኣይክእልን`ዩ ኢሉ። ስለዚ እቲ ጉባኤ ካብ ፍቓድ ቦርድ ወጻኢ እንተተኻይዱ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ጉባኤ ኾነ በቲ ጉባኤ ንዝውሰኑ ውሳነታት ብምልኦም ኣፍልጦ ዘይህብ ምዃኑ ብኣግኡ ነፍልጥ ኣለና ይብል- ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ህወሓት ንጉባኤ ይዳሎ፡ ተቓውሞ ከኣ ይዓቢ