ድሕሪ ምፍታሕ ፍልልይ፡ ልኡኽ ቤት ምኽሪ እምነት እስልምና ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ይበፅሕ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ መንጎ ኣብያተ ምኽሪ ጉዳያት እምነት እስልምና ክልል ትግራይን ፌደራልን ዝነበረ ኣፈላላይ ብይቕሬታ ድሕሪ ምፍታሑ መራሕቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት የካይዱ ኣለዉ። እቲ ዝፀንሐ ክፍተት ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታኡ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይን ተኸትልቲ እምነት እስልምና እቲ ክልል’ዩ ዝበሉ ክልቲኦም ኣካላት፡ ሓቢሮም ክሰርሑ ምስምማዖም ገሊፆም።