መቐለ —
ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብ ቀረባ እዋን ኣከራኻሪ ጉባኤ ዝገበረ ወገን ህወሓትን ከንቲባ ከተማ መቐለ ሸይሞም በቲ ካልእ ወገን ተቓውሞ ምስ ገጠሞም፡ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ “ተዓሺጉ” ዝብል ተጻሒፉዎ ብዘይ ኣማሓዳሪ ይርከብ። ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ህወሓት ነቲ ንሱ ዝሸሞ ዶክተር ረዳኢ በርሀ፡ በቲ ድሒሩ ብወገን ግዜያዊ ምምዳር ዝተረቝሐ ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ ድሕሪ ምትካኡ፡ “ዕልዋ” ክብል ነቲ ስጉምቲ ጸዊዑዎ ኣሎ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ሎሚ ሸውዓተ ክፍላተ-ከተማ መቐለ ኣኼባ ኣካዪዶም ነይሮሞ።