መቐለ —
ኣብ ከተማ መቐለ “ይኣክል” ብዝብል መሪሕ ቃል ንሰለስተ መዓልታት ቀትርን ለይተን ዝተኻየደ ሰልፊ ሎሚ ሓሙስ ወጋሕታ ተዛዚሙ። ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ቅዋም፣ “መራሕቲ ክልል ትግራይ ተመዛበልቲ ክምልሱ እንተዘይኪኢሎም ስልጣን ይልቀቑ” ብምባል ኣፍሊጦም። እቲ መግለፂ ብፅሑፍ፣ ንፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ንኣቦ-መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብኣካል ቀሪቦም ኣረኪቦም።