እቲ ቤተ ፈተነ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝወፈዮ 40 ሚልዮን ቅርሺ ዝተሃነፀ ኾይኑ፤ ምሉእ ውሽጣዊ ናውቲ እቲ ቤተ ፈተነ እውን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝሽፈን ተፈሊጡ'ሎ።
መቐለ —
ብተመሳሳሊ መንግስቲ ጥልያን ብዝሃቦ 7 ሚልዮን ቅርሺ መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ጥዕናን ተዛመድቲ ስራሓት ጥዕናን ዝፍፀመሉ ማእኸል እውን ምስቲ ቤተ ፈተነ ብሓባር ተሃኒፁ'ሎ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣቶ ሓጐስ ጐደፋይ እቲ ቤተ ፈተነ ነቲ ዝተሓላለኹ ሕማማት ንምፍላጥ ናብ ኣዲስ ኣበባን ናብ ወፃኢ ሃገራትን ብምስዳድ ክካየድ ዝፀነሐ ምርመራታት ደረጃ ብደረጃ ዘትርፍ እዩ ይብሉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ህንፃ ተዛዚሙ'ሎ፤ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ሰብ ሞያ እውን ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ይስልጥኑ ምፅነሖም ኣቶ ሓጐስ ይገልፁ።
ኣቶ ሓጐስ ኣብ ሃገር ወፃኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውን ምሁራት ኣብቲ ትካል መፅዮም ክመራመሩን ክምህሩን'ውን ይፅውዑ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ከተማ መቐለ ትካል ቤተ ፈተነን ምርምር ጥዕናን ተሃኒፁ