መቐለ —
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልልን ቤት ፍርዲ ከተማ ኣኽሱም ክልከላ ሕጃብ ኣብ ባይተ ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱም ንኽለዓል ዘሕለፍዎ ውሳነ ዘይምትግባሩ ዝቃወሙ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ፡ “ሕጃባ ክትገበር እያ ትምህርታ እውን ክትመሃር እያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካዪዶም።
ኣብ ኣደባባይ ሮማናት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር ጁሃር፡ “ቅድሚ 1,400ን ዓመታት መፀግዒ ዝስኣኑ ኣመንቲ ኣብ ዘተኣናገደት ትግራይ እዚ ፍፃመ ምግጣሙ የሕዝን’ዩ፡” ኢሎም።
ተወከልቲ እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘትዮም። ኣይተ ጌታቸው ነቲ ሕቶ ቅልጡፍ መፍትሒ ብዘይምቕራቡ ይቕሬታ ሓቲቶም።