ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኣኼባ ህወሓት ተዛዚሙ፣ ኣካለ-ጉድኣት ኲናት ሰልፊ የካይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ዕጹው ኣኼባ ውድብ ህወሓት ተዛዚሙ ኣሎ። ኣብዚ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝወሰደ ግዜ፡ እቲ 41 መዓልታት ኣብ ዕጹው ርክብ’ዩ ሓሊፉ። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እምበኣር’ዩ ኣብቲ ዝነበረ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ተዋጋእቲ ነበር፡ “ተረሲዕናን ኣቓልቦ ስኢንና” ብዝብል ተቓውሞኦም ከስምዑ ሎሚ ኣብ ጎደናታት ከተማ መቐለ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።