መቐለ —
ባህላዊ መሳርሒ ሕርሻ፣ ናውቲ ገዛን ናይ ህንጻ ኣቑሑት ካብ ሓፂነ መፂን ዘፍርዩ ሰብሞያ ኢደ ጥበብ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ካብ ማሕበረሰብ ይግለሉ፣ ይስደዱ፣ ይወቅዑ ብተወሳኺ ድማ ከቢድ ቅትለት ከምዝበፅሖም ይዛረቡ።
እቲ ዝበፅሖም በደል ንምክልኻልን “ማሕበር ኢደጥበበኛታት ትግራይ” ዝተባህለ ውዳበ ኣጣይሾም ይርከቡ።
ብዝበጽሖም በደልን ዝሓደሮም ስግኣት ናብ መቐለ ተመዛቢሎም ነቲ ሞያ ግን ሕጂ'ውን ዝቕጽሉ ዘለው ከምኡ'ውን ዕላማ ምስረታ'ቲ ማሕበርን ብዝምልክት ኣቦ መንበር'ቲ ማሕበር ኣይተ በርሀ ኣብርሃ መብርሂ ሂቦም ኣለው።