ኢህወዴግ ደሕንነት፣መሰልን ክብርን ዜጋታቱ ንምሕላው ስለዘይክኣለ ብካልእ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትካእ መድረኽ ሓቲቱ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

መድረክ

መንግስቲ ኢህወዴግ ደሕንነት፣መሰልን ክብርን ዜጋታቱ ንምሕላው ስለዘይክኣለ ብቕዓት ብዘለዎ ካልእ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትካእ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ሓቲቱ።

ኢህወዴግ ብወገኑ ናይታ ሃገር ሽግራት ንምፍታሕ ዘኽእሉዎ ኩነታት ንምፍጣር መንገዲ ምጅማሩ ገሊፁ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ፓርቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ድሕነት ዜጋታት ንምሕላው ስለዝኸይአለ ድሕነትን ሓድነትን እታ ሃገር እውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ ይብል።

ምኽትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ህዝባዊ ርክብን እቲ ፓርቲ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ሎሚ ኣብዝተፀውዐ ጋዜጣዊ መግለፂ ድሕነትን ሰላምን ዜጋታት ኣብ ሕቶ ኣትዩ ስለዘሎን መንግስቲ መፍትሒ ክህብ ስለዝይኸኣለን ኣማራጺ የድሊ እዩ ኢሎም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኢህወዴግ ናይ ዜጋታት ድሕነት፣መሰልን ክብርን ኣኽብሩ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣስፊኑ ንኢትዮጵያ ንምምሕዳር ብቕዓት ስለዝስኣነ፤ብቕዓት ብዘለዎ ካልእ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትካእ ከምዘለዎ መድረኽ ብፅኑዕ ይኣምን።”

ብከመይ ኣገባብ ንዝብል ሕቶ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ርክብ ጉዳያት ወፃእን መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

“ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ግን ኸኣ ኣብ ሃገርና ሰላማዊ ለውጢ ክመፅእ ዝደልዩ ኩሎም ወገናት ክሳተፍሉ ዘለዎም ሰፊሕ ህዝባዊ ዘተ ክካየድ ኣለዎ።ፃውዒትና ነዚ መንግስቲ እዚ በዚ መስርሕ ንምቕያር ዘኽእለና ስርዓት ምድላው ዝብል እዩ።”

ኣባል ውድባት መድረኽ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ፣ዓረና ትግራይ፣ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማን ናይ ኢትዮጵያ ሶሻሊስ ዴሞክራስቲ ፓርቲ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢህወዴግ ትማሊ ረቡዕ ኣብዘውፅኦ መግለፂ እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝለዓለ ፀገም ከም እትርከብን ንዝተፈጥረ ሽግር መፍትሒ ንምሃብ ዝለዓለ ምድላው ይገብር ከምዘሎን ፈፃሚ ስራሕ ናይቲ ግንባር ሓቢሩ።

እቲ ፈፃሚ ስራሕ ንናይታ ሃገር ህዝቢ ሕቶ ምሉእ ምላሽ ንምሃብን ናይ ፌደራል ስርዓት ብዝተኣማምን ንምሕላውን ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ነካይዶ ዘለና ኣኼባ ብዓወት ክንዛዝሞ ኢና ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኢህወዴግ ደሕንነት፣መሰልን ክብርን ዜጋታቱ ንምሕላው ስለዘይክኣለ ብካልእ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትካእ መድረኽ ሓቲቱ