መድረክ ኣብ በዓል ኢረቻ ንዝወረደ ህልቂት ህዝቢ ሓላፍነቱ ናይ መንግስቲ እዩ ኢሉ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

መድረክ

ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ተቓወምቲ መድረክ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ በዓል ኢረቻ ንዝወረደ ህልቂት ህዝቢ ሓላፍነቱ ናይ መንግስቲ ኢህወዴግ እዩ ኢሉ።ዝተፈጥረ ሓደጋ ዘፃሪ ነፃ ኣካል ክጣየሽን ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ግዳያት ድማ ካሕሳን መጣየስን ክውሃቦምን ሓቲቱ’ሎ።

መድረኽ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ 22 መስክረም 2009 ዓ.ም ኣብ ኣከባብራ በዓል ኢረቻ ዝተኣኻኸበ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ዕጡቓት ኢህወዴግ ብዝተኸፍተ ናይ ምሽባር ስጉምቲ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰባት ምሟቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ጉድኣት ኣካል ምብፅሑን ናይ ኢህወዴግ ስርዓት ፍፁም ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገፀ እዩ ይብል።

ተወሳኺ መብርሂ ንክህቡ ዝተሓተቱ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ መድረኽ በቲ ዝተፈጥረ ሓደጋ ኣዚዩ ዝሓዘነ ምዃኑ ብምግላፅ መንግስቲ ነዚ ህልቂትን ጉድኣትን ተሓታቲ እዩ ኢሎም።መንቀሳቐሲ ኣብዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘንብዕ ጋዝ ዝተኮሰ መንግስቲ ስለዝኾነ ተሓታትነት ኣብ እንግድዓ መንግስቲ ጥራሕ እዩ ዝወድቕ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ በዓል ኢረቻ ዝወረደ ህልቂት እቲ ሓላፍነት ናይ ኢህወዴግ ስለዝኾነ እቲ ዝተፈጥረ ክስተት ዓለምለኸ ገለልተኛ ኣካል ተጣይሹ ከፃሪዮን እቲ ሓደጋ ክኽሰት ምኽንያት ዝኾኑ ሰበስልጣንን ናይ ደሕንነት ኣካላትን ሕጋዊ ስጉምቲ ብህፁፅ ክውሰዶምን ጉድኣት ንዝበፅሖም ስድራ እውን ካሕሳን መጣየሽን ክኽፈልን ብትሪ ንሓትት ይብል እቲ መግለፂ።

ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ኢህወዴግ ንብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ንሓድሕዶም ንምግጫው ይፅዕር ኣሎ ኢሎም።ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ጉራጌ፣ሃዲያን፣ከምባታን ዝነብር ህዝቢ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ንዝካየድ ህዝባዊ ተቓውሞ ንኸውግዙ ብካድራት ዝተፀውዐ ኣኼባ ተኣኸበቲ ስለዝተቓወምዎ ከይተዓወተ ተሪፉ’ሎ ኢሎም።

ርእይቶ ህዝቢ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መድረክ ኣብ በዓል ኢረቻ ንዝወረደ ህልቂት ህዝቢ ሓላፍነቱ ናይ መንግስቲ ኢህወዴግ እዩ ኢሉ