ዋሽንግተን —
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝጀመረ ዓመተ 2024 ንኣመሪካ ሓዊሱ ልዕሊ 30- ሃገራት ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዝቀረራረባሉ ሕጂ እዋን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ድሕንነት ጋዜጠኝነትን ዓበይቲ ጉዳያት መሓውራት ዜና ክኸውን እዩ ይብሉ ተንተንቲ ።
ኣብ ኣረጀንቲና ዝተኻየደ ምርጫ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ወፍሪ ምርጫ እንታይ ውፅኢት ከምዝህልዎ መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
ሃቪየር ሚለዪን መወዳድርቶም ሰርጂዮ ማሳን ወፍርታቶም ንምድንፋዕን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ንምፅላምን ፖስተራትን ቪዲዮታትን ንምድላው ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞምሉ እዮም።