ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ ብዕድመ ዝዓበየ ተወዳዳራይ ኦሎምፒክ

ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ፡ ካብቶም ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሪዮ ዲ ጀጂሮ ብራዚል ዝካየድ ውድድድር ኦሎምፒክ ሎሚ ዓመት ንኣሜሪካ ወኪሎም ዝወዳደሩ ኣትሌታት ሓደ’ዩ። መብ ክፍለዝጊ ሎሚ ዓመት መበል 41 ዓመቱ ከክብር ከሎ፡ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ተወዳዳራይ ኦሎምፒክ ተባሂሉ ክስመ’ዩ።

መብራህቱ ክፍለዝጊ ኣብ ናይ ውድድር ዘመኑ ዝጎየዮ ርሕቀት ኣርባዕተ ጊዜ ዙርያ ዓለም’ዩ።

ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዓለም ሰለስተ ጊዜ ዝተሳተፈ መብ ኣብ 2004 ዓ.ም ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ብሩር መዳልያ ንምሽላም ዝበቕዓ ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ተወዳዳራይ ኦሎምፒክ ብምዃን ወናኒ ካልእ መዳልያ ክኸውን ተስፋ ይግበር። መብ ፡ ውድድር ጉያ ተማሃራይ ማእከላይ ደረጃ ከሎ ከምዝጀመረ ይገልጽ።

‘ ኣብቲ ሽዑ እዋን ን5፡20 ማይል ማለት ኣስታት 8.36 ኪ.ሜ ጎይየ ‘A’ ረኺበ፡ ማልያ’ውን ተሸሊመ ብዙሕ ኣፍልጦ’ውን ረኺበሉ’የ። ይመስለኒ እዚ ዓወት ካብቲ ዝነበረኒ ሕፍረት ክወጽእ ኣኽኢሉኒ`ዩ።’

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣሰልጣኒ መብ ክፍለዝጊ ዝኾነ ቦብ ላርሰን፡ መብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሎስ ኣንጀለስ ትምህርቱ ክከታተል ናይ ትምህርቲ ዕድል(scholarship) ከምዝሃቦ ይገልጽ ምክንያቱ ይብል ንሱ እቲ ዘለዎ ብርታዓ ስለዝተረአየኒ’ዩ።

‘ ብጣዕሚ ፍሉይ ሰብ’ዩ፡ እቲ ዝዓበየ ነገር ድማ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ፡ ምስ ዓብይ ቁጽሪ ዘለዎ ስድራ እሞ ድማ ንካልኦት ኣሰልቻዊ ወይ ዘሕርቕ ኽከውን ዝኽእል ነገራት ብተደጋጋሚ እንዳሰራሕኻ ምዕባዩ ይመስለኒ። ናብ ብዙሕ ቦታታት በጺሑ’ዩ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክድቕስ ይክእል’ዩ። መላእ ስድራቤቱ ጽኑዓት’ዮም።’

ኣብ ጽባሕ ናይ ቦስቶን ማራቶን መጥቓዕቲ ብምስታፍ ቀዳማይ ኣብ መበል 31 ዓመቱ ዝተዓወተ ኣሜሪካዊ ብምዃን ንተዓጻጻፊነት ኣሜሪካዊያን’ውን ምስክር ኮይኑ’ዩ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ መብራህቱ ክፍለዝጊ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ ዲጀኒሮ ንምዕዋት ድማ ብዕድመ ዝዓበየ ተዓዋታይ ኦሎምፒክ ክኸውን ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ኣትሌት መብ ክፍለዝጊ ብዕድመ ዝዓበየ ተወዳዳራይ ኦሎምፒክ