ዋሽንግተን —
ቤት ምኽሪ ተዋካሎ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ትማሊ ረቡዕ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣለሃንድሮ ማዮርካስ ብጥፍኣት ንምኽሳስ ኣብ ዝብል እማመ ድምጺ ሂቡ።
ነቲ ጉዳይ ዘልዓሉ ርፓብሊካውያን፡ ብማዮርካስ ንሕጊ ስደተኛታት ኣመሪካ ጥሒሱን ህዝቢ ዘንበረሉ እምነት ኣጕዲሉን ክብሉ ይኸሱ። ብዶባት ሜክሲኮ ንዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እኹል ስራሕ ከም ዘይተሰርሐ ነቐፍቲ ይኸሱ።
ኣብቲ ብኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ዝዕብለል ቤት ምኽሪ 18 ብ 15 ንምኽሳስ ኣድሚጾም ኣለዉ። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን እቲ ተግባር ምኽኑይ ዘይምዃኑን ፖለቲካዊ ሃልኪን ክብሉ ይጽውዑዎ።
ብተወካሎ ህዝቢ ነቒሉ ዘሎ ክሲ ንዝመጽእ ሰሙን ኣብ ምሉእ ተወካሎ ህዝቢ ክርአ ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሰነት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንኽልተ ሰልፍታት ዝሓቍፍ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።