ዓማፂያንን መንግስትን ማሊ ንልዝብ ኣብ ኣልጀርስ ኣትዮም

ዓማፂያን ታውረግን ሰበስልጣን መንግስቲ ማሊን ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ሎማዕንቲ ኣብ ኣልጀሪስ ተራኺቦም።እቲ ዝርርብ ሰፊሕ ግዝኣት እታ ሃገር ከመይ ይመሓደር ኣብ ዝብል ሕቶ ሓዊሱ ኣብ ፀጥታን ፖለቲካን ከተኩር እዩ።

ተወከልቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ሰሜናዊ ማሊን መንግስትን ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝዓለመ ልዝብ ንምክያድ ናብ ዋና ከተማ ኣልጀሪያ ተመሊሶም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ፖለቲካውን ፀጥታውን ጉዳያት ንምዝርራብ ዘኽእል እማመ ተፈራሪሞም።

ሰሜናዊ ማሊ ነፃ ሃገር ዝገብር ሕቶ መዘራረቢ ኣይኸውንን፤ምኽንያቱ ጉጅለታት ተዋጋእቲ ታውረግ ዓርሰ ምምሕዳ ኣብ ዝብል ስለዝተሰማምዑ።

ብመዳይ ጊደ ባማኮን ኣብ ሰፊሕ ቦታ ተበታቲኖም ዝነብሩን ብነገዶም ዝተኸፋፈሉን ማሕበረሰባት ከመይ ይመሓደሩ ኣብ ዝብል እቲ ዓርሰ ምምሕዳር እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ንፁር ኣይኮነን።

እቶም ዓመፅቲ ዘይተማእኸለ ምምሕዳር ይደልዩ።ባማኮ ዝከታተሎ ስራሕቲ መንግስቲ ንከባቢያዊ ተወከልቲ ምሃብ ዝብል ኮይኑ ቅድሚ ሎሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ እዩ።

ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ማሊ ዴቪድ ግረስሊ።

ስምምዕ ክይተበፅሐ ምርግጋእ ዝብሃል ኣይህሉን፤ኩነታት ፀጥታ እናሓመቐ ክኸይድ እዩ፤እዚ ድማ ኣብዚ ልዝብ እዚ ንዝሳተፉ ወገናት ዘርብሕ ኣይኮነን ኢሎም።

ተዋጋእቲ ታውረግስ መፈንቅለ መንግስቲ ዘስዐበን ሰሜናዊ ማሊ ኣብ ትሕቲ እስላማዊያን ናዕበኛታት ክውዕል፣ሓይልታት ፈረንሳይን ኣፍሪካን ኣብ ፈለማ 2013 ኣ/ፈ ጣልቃ ክኣትው ዘገደደን ኣብ ፈለማ 2012 ኣ/ፈ መጥቓዕቲ ካብ ዝፍፀሙ ጀሚሩ ማሊ ምርግጋእ ሓሪሙዋ ትርከብ።

ገሊኦም ምስ ምዝውዋር ሓሺሽን ሽበራን ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ሰሜን ማሊ ግዝኣት ንምቁፅፃር ሎሚ እውን ይዋግኡ ኣለው።እዚ ንማሊ ጥራሕ ከይኮነስ ንጎረባብታ ኣልጀሪያን ኒጀርን እውን ዘስግእ እዩ።

ኣማእቲ ኣሽሓት ስደተኛታት ማሊ ኣብ መፅለሊ ካፕታት ሞሪታኒያን ቡርኪና ፋሶን ይርከቡ።ብተወሳኺ ማላዊያን ኣብ ከባቢ ባርካኔ ብፈረንሳይ ይካየድ ብዘሎ ወታደራዊ ስርሒት እናተሰላቸው እዮም።መንግስትን ተቓወምትን ንቶም ሽግራት ንምፍታሕ ቅሩባት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ይብሉ ግረስሊ።

ክብፃሕ ዝኽእል ስምምዕ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ ኣብ መንጎ መንግስቲ ባማኮን ንምፃል ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ን50 ዓመታት ዝፀንሐ ናይ ዕጥቒ ግጭት ከብቅዕ እዩ።