ማላዊ ብሞት ም/ፕረዚደንት 21 ናይ ሓዘን መዓልታት ትእውጅ

መንግስቲ ማላዊ ብሓደጋ ነፋሪት ንዝሞቱ ምኽትል ፕረዚደንት ሳሎስ ቺሊማን ካልኦት ሸሞንተ ሰባትን ሎሚ ረብዕ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ላዛሩስ ቻኰራ 21 ሃገራዊ መዓልታት ሓዘን ኣዊጆም ኣለው። እቶም ፕረዚደንት ነዚ እዋን ሓዘን ዝኣወጁ ፍንጭልጫላት'ታ ነቶም ንምኽትሎምን ካልኦት ሸሞንተ ሰባትን ሒዛ ዝነበረት ንእሽተይ ወታሃደራዊት ነፈሪት ኣብ ጎቦታት ሰሜናዊ ክፍሊ እታ ሃገር ድሕሪ ምርካቡ እዩ።

እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ምስ ናይ ስራሕ ብጾቶም ብምዃን ናብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓደ ሚንስተር መንግስቲ ነበር ንምስታፍ ካብ ርእሰ ከተማ'ታ ሃገር ናብ ሰሜናዊት ከተማ ምዙዙ ኣብ ዝጉዓዝሉ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ተፈሊጡ'ሎ።