ዋሽንግተን —
ቅድሚን ድሕሪን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ በበይኑ ወታሃደራዊ ጽፍሒታት ላዕለዋይ ኣዛዝነት ክመርሕ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብምኽንያት ሕማም፡ ምዕራፉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረቀመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ(ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነበረ) ኣካፊሉ።
ኣብ 1974 ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈ ሜጀር ጀነራል ሃይለ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ፈለማ ኣዛዚ ኮር፡ ድሒሩ ኣዛዚ ግንባር ዓሰብ፡ ጸኒሑ ድማ ኣዛዚ ስርሒት ምዕራባዊ እዚ ዝነበረ’ዩ። ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል፡ ሓላፊ ስታፍ ስርሒታትን ስልጠናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምንባሩ'ውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ሃይለ ሳሙኤል፡ ኣብ ፈለማ ምውሃብ መዓርግ ሰራዊት፡ ካብቶም ብሜጀር ጀነራል ዝተዋህቡ ሸሞንተ ኣዘዝቲ ሓደ’ዩ ነይሩ። እቶም ኣብ 1996 መዓርግ ዝተዋህቡ፤ ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ ገብረዝጋብሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡ ብርሃነ ገብረእዝጋብሄር፡ ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሮሞዳን ዑስማን ኣውሊያይ፡ ሑመድ መሓመድ ካሪካረ፡ ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና)ን ዑመር ጠዊልን’ዮም ነይሮም።