ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን፡ “ኣፍሪቃውያን ንፈረንሳይ ከም ዝግባእ ኣይመስገኑን፡” ድሕሪ ምባሉ፡ ካብቶም ናይ መጨረሽታ መሓዙት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከቢድ ተቓውሞን ቁጠዐን ኣስዒቡ።
ማክሮን ኣብቲ ካብ 2020 ብማሊ ዝጀመረ ጸረ ጥሩፋት እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ’ዩ እቲ ዝግበኦም ሞሳ ከም ዘይተቐበሉ ጠቒሱ።
እተን ብቐንዲ መጥቃዕቲ ጥሩፋት ጉጅለታት ዝሳቐያ ማሊ፡ በርኪናፋሶን ኒጀርን ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሃገረን ሰጊጕን’የን።
ማክሮን፡ “ሰራዊት ፈረንሳ ኣብቲ ቃልሲ ኣንጻር ሕሉፋት እስላም እንተዘይካፈሉን መስዋእቲ ዘይከፍሉን፡ ሎሚ ምሉእ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ኣይምሃለወትን፡” ኢሉ።
ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሃገራ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣብ ቀረባ እዋን መምርሒ ዝሃበት ጫድ፡ “ርእይቶ ማክሮን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ዘለዎ ዝንቡዕ ርድኢት ዘጕልሕ’ዩ” ኢላ። ጫድ ኣብቲ ብመንገዲ ግዜያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ “ጫዳውያን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ንፈረንሳ ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ዛጊት ብግቡእ ኣይተነግረን፡” ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሴነጋል ኦስማን ሶንኮ ብግደኡ፡ “ፈረንሳ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክትዛረበ ሞራላዊ ሓላፍነት የብላን። እኳ ደኣ ንሓያሎ ሃገራት ሳሕል ኣብ ሕንፍሽፍ መሪሓ ኣላ፡” ኢሉ።
እዛ እትጅምር ዘላ ዓመተ 2025 ሰራዊት ፈረንይ ጠቒሎም ካብ ሰነጋል ክወጽኡ መንግስቲ ሴነጋል ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ።