ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ኣብ ኣፍሪቃ ንምፍጻም ሎሚ ናብ ኣፍሪቃ ኣትዩ ኣሎ። ዑደት ባይደን ኣብቲ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ምምሕዳሩ ዝወሰዶ ዓቢ ተበግሶ ኮሮዲዮ ሊቦቶ ንምክትታል’ዩ።
ኮሮዲዮ ሎቢቶ ዝተሰየመ ፕሮጀክት ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ወፍሪ ኰይኑ፡ እዚ መደብ ንኣስታት 1,300 ኪሎሜተር መስመር ባቡር ዝሽፍን መደብ’ዩ። እዚ ፕሮጀክት ብቐንዱ ንምስፍሕፋሕ ጽልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ክዓግት ተስፋ ይግበሮ። በዚ ኮሮዲዮ ድማ ንወደብ ሎቢቶ ናይ ኣንጎላ ምስ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ካልኣይ እብረ ናብ ዛምቢያ ክሰፍሕ’ዩ እቲ መደብ።